ተዛማዲ ፍታሕ ረኺቡ ዝጸንሐ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ከተማ ኣስመራ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ

ተዛማዲ ፍታሕ ረኺቡ ዝጸንሐ ኣገልግሎታት ማይን ኤሌክትሪክን ከተማ ኣስመራ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ

Radio Erena: 26 December 2017

Asmara Dark

ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ተዛማዲ ፍታሕ ረኺቡ ዝጸንሐ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ማይን ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ።

ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ከተማ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ን24 ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ ዝነበረ ኤሌክትሪክ፣ ንሓደ ሰሙን ጥራይ ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ንዝበዝሐ ሰዓታት ኤልክትሪክ ከምዘየሎ ኣገንዚቦም።

ኣገልግሎት ማይ’ውን ብተመሳሳሊ ብሻምብቖታት ክዕደል ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ ህዝቢ ማይ ንምቕዳሕ ለይትን ቀትርን ክከላብት ይርአ ምህላዉ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ ካብ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ከቢድ ናይ ልምዓት መደባት ተጸሚዱ ከምዘሎ ይገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ዛጊት ነተን መሰረታውያን ነገራት’ውን ከውሕስ ኣይክኣለን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0