ተዓጽዩ ዝርከብ ቤት ምህርቲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ ክኽፈት፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢጣልያን ኤርትራን ወግዓዊ ዝርርብ ክካየድ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 03 September 2020

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ተዓጽያ ዘላ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ንኽትክፈት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ክቕጽል ባህላዊ ማሕበር ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢጣልያውያን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ማሕበር ብመንገዲ ፕረዚደንቱ ኣልዶ ረቪቶ ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነታ ቤት ትምህርቲ ዝዓጸወሉ እዋን፣ ኢጣልያ ኣብ ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣድሂባትሉ ዝነበረት ግዜ ምዃኑ ብምዝክኻር፣ ኣብዚ ተዛማዲ ህድኣት ተረኺብሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ብዛዕባ’ታ ናይ ኣስመራ ቤት ትምህርቲ ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዕቱብ ሕቶ ከቕርብ ጸዊዑ።

ካብ 1903 ኣትሒዙ ታሪኽ ዘለዋ ቤት ትምህርቲ ብኸምዚ ክትዕጾ ሱቕ ክንብል የብልናን ብምባል እቲ ፕረዚደንት፣ መብርሂታት ክወሃቦ ናብ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ኣባላት ፓርላማ፣ ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ደብዳቤ ምልኣኹ ኣፍሊጡ።

መንግስታት ኤርትራን ኢጣልያን፣ ኣብ 2012 ኣብ ጽላታት ትምህርቲን ካልእን ዘተኮረ ናይ ምትሕግጋዝን ስምምዓት ከምዘካየዱ ይዝከር።

ድሕሪ’ቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመርኦ ርክብ’ውን ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ፣ ናብታ ቤት ትምህርቲ በጺሑ ኔሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ድሕሪ ምእዛዙ፣ ኣብ ኣስመራ ንእትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ግና ፍቓድ ስርሓ ከተረክብ ከምዝሓተተ ምስታ ቤት ትምህርቲ ቅርበት ዘለዎም ኢጣልያውያን ኣመልኪቶም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ልዊጂ ዲ ማዮ፣ ብጉዳይ ምዕጻው ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ብዝምልከት ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ብዛዕባ ምዕጻው እታ ቤት ትምህርቲ ኣመልኪቱ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ወግዓዊ መልሲ ዛጊት የለን።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0