ትሽዓተ ኣባላት ሬድሲ ካመልስ ኣብ ኬንያ ከምዝተሰወሩ ይግለጽ ኣሎ

ብሬድሲ ካመልስ ናይ እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ግጥማት ሴካፋ ድሕሪ ተገሊፋ ናብ ኤርትራ ንምምላስ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን ትሽዓተ ካብ ተጻወታ ከምዝጠፍኡ ምንጭታት ካብ ኬንያ ኣተንቢሆም።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ ኣቐዲሞም ክልተ ተጻወታ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምስዋሮም’ዮም።

ሃ.ጋ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ ዘካየደቶ ሰለስተ ግጥማት ነጥቢ ከየመዝገበት፣ ካብ ግጥማት ሴካፋ ድሕሪ ምግላፋ፣ ካብ ብቕዓት እታ ጋንታ ንላዕሊ ህድማ ተጻወት ኣዘራራቢ ኮይኑ ምጽንሑ ብሬድዮ ኤረና ብተደጋጋሚ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

 

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑመር ኣሕመድ፣ ክልተ ተጻወቲ ኣብ ኬንያ ምስዋሮም ነታ ሃ.ጋ ብኣሉታ ከምዘይጸለዋ እኳ እንተገለጸ፣ እታ ጋንታ፣ ድሕሪ ህድማ ክልተ ተጻወታ ብኡጋንዳን ርዋንዳን ተሳዒራ’ያ ካብቲ ግጥም ድሕሪ ምግላፋ ግና ንሱ’ውን ሓደ ካብቶም ዝሃደሙ ትሽዓተ ኣባላት እታ ጋንታ ኮይኑ ምህላዉ ይዝረበሉ ኣሎ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ግጥማት ሴካፋ ተገሊፋ ናብ ዓዳ ኣብ እትምለሰሉ እዋን፣ ዝተረፉ ተጻወቲ ኣብ ኬንያ ከይስወሩ’ውን ልዑል ሓለዋን ምክትታልን ክካየደሎም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ብሱዳንን ኡጋንዳን ነፍሲ ወከፉ 3 ብ 0 ዝተሳዕረት ሬድሲ ካመልስ፣ ብርዋንዳ 1 ብ 0 ተሳዒራ ሸቶ ከየመዝገበተን ነጥቢ ከየቑጸረትን ካብ ግጥማት ሴካፋ ተፋንያ ናብ ዓዳ ንምልልሳ ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን’ያ ትሽዓተ ካብ ኣባላታ ከምዝተሰወሩ ዝግለጽ ዘሎ።

ካብ 2007 ንደሓር ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ዞባዊ ግጥማት ኣብ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ኬንያ ብድምር 51 ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዑቕባ ንምሕታት ኣብዘን ሃገራት ተሪፎም።

==============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0