ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን፣ ኣንጻር ወትሃደራዊ ምሕደራ እናሓየለ መጺኡ

Radio Erena: 02 May 2019

     ህዝቢ ሱዳን፣ ኣንጻር ወትሃደራዊ ምሕደራ ዘካይዶ ዘሎ ተቓውሞ እናሓየለ ይመጽእ ከምዝሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልታት፣ ዋሕዚ ሰለፈኛታት ናብ ጎደናታት ካርቱም፣ ናብ 10ታት ኣሽሓት ከምዝዓረገ ዘመልከታ እተን ማዕከናት ዜና፣ እዚ ድማ ህዝቢ ሱዳን፣ እንደገና ናብ ወትሃደራዊ ምልኪ ከይወድቕ ካብ ዘለዎ ሓያል ስግኣት ዝነቐለ ምዃኑ ኣስሚረናሉ።

እቲ ኣብ ጎደናታት ዝካየደ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ብናይ ስራሕ ምቁራጽ ኣድማ ክስነ’ውን ዝተፈላለያ ናይ ሰብ ሞያ ማሕበራት ጸዊዐን ኣለዋ።

ብፍላይ መማህራን፣ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ባንክ ካልኦት ትካላት መንግስትን፣ ብዝተወሃሃደ መልክዕ፣ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ እንተጀሚሮም፣ ምንቕስቓስ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ክለምስ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ዘስግኦ መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት እታ ሃገር ትሕመስ ከምዘላ ብምርግጋጽ፣ ካብዚ ንላዕሊ ክቕጽል ከምዘይብሉን፣ እቲ ተቓውሞ ደው ክብል ደጊሙ ጸዊዑ።

ተቓውሞ ህዝቢ ሱዳን እናሓየለ ዝምጽእ ዘሎ፣ እቲ ወትሃደራዊ ባይቶ ምስ ፖለቲካውን ሰልፍታት እታ ሃገር፣ ናይ ልፍንቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምስስራት ዘካየዶ ዘተ ብዘይ ፍረ ድሕሪ ምብታኑ’ዩ።

ህዝቢ ሱዳን፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር፣ ብገዛእ ሰራዊቱ ክእለ እኳ እንተገደዶ፣ ብስም መሰገጋሪ ወትሃደራዊ ባይቶ ንዝመጸ መሪሕነት’ውን ከምዘይቅበሎ ብኣግኡ’ዩ ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0