ተቓውሞታት ህዝቢ ኦሮሞ፣ ኣብ ልዕሊ ኤምባሲታት ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ሰኣን ግቡእ ጸጥታዊ ሓለዋ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ

Radio Erena: 06 September 2020

ሃገራት ኤውሮጳ፤ ኤምባሲታት ኢትዮጵያ፤ መጥቃዕቲ ክወርደን እንከሎ ግቡእ ጸጥታዊ ሓለዋ ኣይገበራን ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።

ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፤ ኣምባሳደር ሪዱዋን ሑሴን፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያት ጀርመን ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፤ ኣብ ከተማ በርሊን ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክወርዶ እንከሎ፤ መንግስቲ ጀርመን ግቡእ ሓለዋ ኣይገበረን ኢሉ። እቲ ኣምባሳደር ብተወሳኺ ኣብ ለንደንን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝርከብ ኤምባሲታት እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምልዕዓልን ኣብ መንጎ ብሄራት ግጭት ብምውላዕን ከሲሱ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ድሕሪ ምእሳሩ፤ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ ተወላዶ ኦሮሞ፤ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከካዪዱ ጸኒሖም’ዮም።

ኣምባሳደር ሪዱዋን ሑሴን ኣብ መግለጺኡ፤ እቶም ሰልፈኛታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ መሰሎም እኳ እንተኾነ፤ ንብረት ኤምባሲታት ምዕናው ግና፤ እቲ ቤት ጽሕፈታት ንቡር ኣገልግሎት ከይህብ ዝዕንቅፍ ስለዝኾነ፤ ሃገራት ኤውሮጳ ጸጥታዊ ውሕስነት ክህባ ጸዊዑ።

ዝሓለፈ ወርሒ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝድግፉ ሰልፈኛታት፤ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዱዎ ተቓውሞ፤ ባንዴራ’ታ ሃገር ብናይቲ ግንባር ክቕይሩዋ እንከለዉ፤ ኣብ ካልኦት ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ዝዝከር እዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0