ተቓወምቲ ሑቲ፣ ንየመን ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ ናይ ኵናት መርከብ ከምዘዕነዉ ተሓቢሩ

ተቓወምቲ ሑቲ፣ ንየመን ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ ናይ ኵናት መርከብ ከምዘዕነዉ ተሓቢሩ

Radio Erena : 13 October 2015

Houthi

ተቓወምቲ ሑቲ ኣብቲ ንየመን፣ ኤርትራን ጅቡትን ዘዋስን ማያዊ ክሊ ባብ ኤል መንደብ፣ ናይ ኵናት መርከብ ከምዘዕነዉ፣ ማዕከናት ዜና ኢራን ይጠቕሳ ኣለዋ።

እታ ብሑቲ ዓንያ እትብሃል ዘላ ናይ ኵናት መርከብ ዋንነታ ናይ ግብጺ ወይ ድማ ናይ ስዑዲ ዓረብ ክትከውን ከምእትኽእል’ውን እቲ ካብ ኢራን ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ይጠቕስ።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፣ እታ መርከብ ካብ ሑቲ ብዝተወንጨፈላ ሮኬታት ኣብ ከባቢ ከተም ጣይዝ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ኣል ሙካ ከምዝዓነወት የመልክት።

 

እንተኾነ ብዛዕባ’ታ ብሑቲ ከምዝዓነወት ዝንገረላ ዘሎ ናይ ኵናት መርከብ ብዝምልከት ብወግን ስዑዲ ዓረብ ይኹን ግብጺ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

ስዑዲ ዓረብን ግብጽን፣ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ህላዌ ሑቲ ንምውሓሱ መራኽብ ኵናት ኣዋፊረን ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣንጻር እቲ ብኢራን ከምዝድግፍ ዝንገረሉ ሑቲ ዘካይድኦ ንዘለዋ ውግእ ዝውዕል ዘመናውያን ነፈርቲ ውግእን ናይ ኵናት መራኽብን ንምሽማት ምስ ፈረንሳ ስምምዕ ይኽትማ ምህላወን ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

ብፍላይ እቲ ንየመን፣ ኤርትራን ጅቡትን ዘራኽብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ፣ ካብ ህላዌ ሑቲ ናጻ ንምግባሩ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ኪዳን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ጽቑዕ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

ሑቲ ካብ ዝበዝሐ ክፋላት እቲ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተጸግዐ ከባቢታት ክስሕብ እንከሎ፣ ነታ ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዋ ወደብ ሖዴይዳ ግና ምሉእ ብምሉእ ከምዘይገደፋ ይግለጽ።

ስዑዲ ዓረብን መሻርክታን ነቲ ናብ ሖዴይዳ ዝቀንዐ ወትሃደራዊ ስርሒታት፣ ካብ ከባቢታት ዓሰብን ደሴታት ዙቑር ሓኒሽን የካይድኦ ምህላወን ዝትንትና ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቅ ኣለዋ።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ’ዚ ናይ ዓሰብ ዝምልከት ጉዳይ ካብ ወገን ስዑዲ ዓረብ ይኹን ኤርትራ ዝተረኽበ ጭቡጥ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ስደት ዝነበሩ ሓደ ሓደ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት የመን፣ ካብ ሪያድ ብመንገዲ ዓሰብ ኣቢሎማን ብጀላቡ ናብ ከተማ ዓደን ከምዝኣተዉ ግና ኣይርሳዕን።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0