ኣብ ሶማል ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝተማረኹ ተገሊጹ

ኣብ ሶማል ሰለስተ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝተማረኹ ተገሊጹ

Radio Erena : 13 October 2015

Al

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከምዝማረኸ ገሊጹ።

ብ ‘ዓሊ ጋነይ’ ዝፍለጥ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ዓሊ ዮሱፍ ዝርከቦም ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልሸባብ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ኤልቡር’ዮም ተማሪኾም።

ምምራኽ ናይዞም ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ዘረጋገጸ ወትሃደዊ ኣዛዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል መሓመድ ካሒየ፣ ብፍላይ ዓሊ ጋነይ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ዝህንድስ ምንባሩ ይጠቅስ።

 

ኣልሸባብ ብዛዕባ ምምራኽ እዞም ስለስተ ላዕለዎት ሓለፍቱ ኣመልኪቱ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብ ሶማል ልዕሊ 22 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተዋፊሩ ይርከብ።

ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ኣንጻር ኣልሸባብ ጽዑቕ መጥቃዕታት የካይዱ እኳ እንተለዉ፣ መሓውር እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክብተኽ ኣይከኣለን።

ብሪጣንያ’ውን ኣብ ወትሃደራዊ ስለያን ንምትሕግጋዝን ስልጠና ንምሃብን ናብ ሶማል ፍሉያት ሓይልታት ከተዋፍር ምዃና ገሊጻ ኣላ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0