ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ንዘካየድዎ ተቓውሞ ንምድጋፍ፣ ሰልፍታት ይቕጽል

ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ንዘካየድዎ ተቓውሞ ንምድጋፍ፣ ሰልፍታት ይቕጽል

Radio Erena: 10 November 2017

Paris Manif

ነቲ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ብ31 ጥምቅቲ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ተቓውሞ ንምድጋፍ ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይቕጽል ኣሎ።

በዚ መሰረት፣ ኣብቲ ኣብ ከተማታት ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ፣ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ፣ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ኣመሪካ ከተማ ሲያትልን ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፍታት ዝተሳተፉ ኣማኢት ኤርትርውያን፣ ኣሳእል ናይቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትናን ብምልዓል፣ ብዘይሕጊ ምእሳር ዜጋታት ደው ክብል ጸዊዖም።

ካብ ኩለን ከተማታት ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ፣ ሎሚ 10 ሕዳር ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ፓሪስ፣ ከባቢ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መሰል ሃይማኖት ክኽበር ብምጽዋዕ፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣካየደቲ ድያእ ኣል እስላምያ፣ ተማሃሮን ወለድን ወሲድዎ ንዘሎ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኮኒኑ።

ኣብዚ ናይ ፓሪስ ሰለማዊ ሰልፊ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ መሰል ሃይማኖት ማዕረ’ቲ ካልእ መሰረታውያን መሰላት ተጋሂሱ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ፣ ብኣመንትን ክርስትናን እስልምናን ክሕተት ግቡእ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ንመራሕቲ ሃይማኖትን ናይ እምነት ኣቦታትን ክእስር እዚ ናይ ዲያእ ኣልእስላምያ ሓድሽ ተርእዮ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ሎሚ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ድማ፣ ነቶም መሰሎም ንምሕታት ኣብ ማእከል ኣስመራ ተቓውሞ ዘካየዱ መንእሰያት፣ ተማህሮን ወለድን ንምድጋፍን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ብዘይ ኣፋላላይ ሃይማኖትን ኣውራጅን ኣብ ጎኖም ከምዘሎ ንምጉላሕን ምዃኑ’ውን ጠቒሶም።

ክቡራት ተኸታተሊ ናይዚ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ናይ ሰኑይ ፈነወና ከነቕርቦ ኢና።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0