መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ሓያሎ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብምቕያዱ ይኹነን

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ሓያሎ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብምቕያዱ ይኹነን

Radio Erena: 10 November 2017

DiA Islamic school

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ተቓውሞ ንናይ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ንዝተሳተፉ ሓያሎ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ቀይዱ ምህላዉ ተኾኒኑ።

ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝህብዎ ዘለው መግለጺታት፣ ኣብቲ ብ31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማሃሮ ዲያእ ኣልስላምያ ካብ ዝተሳተፉ ተማሃሮ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 13 ክሳብ 15 ዝርከቡ ኮይኖም፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ህዝቢ ንምድሃል ነዞም ትሕቲ ዕደም ቆልዑ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣሲርዎም ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ደሃይ ደቆም ከጣይቑ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝኸዱ ወለዲ’ውን ምስ ደቆም ተኣሲሮም ምህላዎም ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ 10ታት ተማሃሮ፣ ወለድን መማህራንን ከምዝተኣስሩ ኣይርሳዕን።

ወከልቲ ኮሚተ ወለዲ ተማሃሮ፣ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣካየድቲ፣ መማህራን፣ ተማሃሮን ወለድን ክፍትሑ ዝጽውዕ ደብዳቤታት ናብ ኣውቓፍ ቤት ጽሕፈት ሙፍቲ ኤርትራን ሚኒስትሪ ትምህርትን ከምዝለኣኹ ኣይርሳዕን።

ብዘይ ወግዓዊ ሙፍቲ ዘሎ ኣውቓፍ ነቶም ኮሚተ ወለዲ ብዘይዝኾነ መልሲ ከፋንዎም እንከሎ፣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ግና ምስ ኮሚተ ወለዲ ይዘራረብ ምህላዉ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተቓሊሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0