ተማሃሮ ማሕበረ-ኮም ጅዳን ሪያድን፣ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቃወም ቅጥዒ ክመልኡ ይግደዱ

ተማሃሮ ማሕበረ-ኮም ጅዳን ሪያድን፣ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቃወም ቅጥዒ ክመልኡ ይግደዱ

Radio Erena: 11 May 2016

CIO

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማታት ጅዳን ሪያድን ዝርከባ ናይ ኤርትራውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዝምሃሩ ካብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን፣ ብኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ንጸብጻብ መርመሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዝቃወም ቅጥዒ ክምለኡ ይግደዱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

መብዛሕቶም እቶም ነዚ፣ “ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክንፍጽም ግቡአ’ዩ፣ መሰለይ ኣይተገሃስኩን፣ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ኣይተሰደድኩን….” ወዘተ ዝብል ነጥብታት ዘጠቓለለ ቅጥዒ ክምልኡ ዝግደዱ ዘለዉ መንእሰያት፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተወሊዶም ዝዓበዩ’ዮም።

ብስም ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝጽውዓ፣ ኣብ ከተማታት ጅዳን ሪያድን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ትሕቲ ኤምባሲ ኤርትራ’የን ዝመሓደራ።

 

ኣብዘን ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 800 ኤርትራውያን ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ይመሃሩ ኣለዉ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን መብዛሕቶም መንበሪ ፍቓድ ንምሕታት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ፓስፖርት ስለዘድልዮም፣ እቲ መንግስቲ ብመንገዲ ኤምባሲ ኣቢሉ ዘመሓላልፎ ትእዛዝ ክቓወምዎ ከምዘይክእሉ’ዩ ዝንገር።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ብዘይካ’ቲ ንተማሃሮ ዝገብዶ ዘሎ ምግዳድ፣ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኩሎም ኤርትራውያን ናይ ተቃውሞ ቅጥዒ ክመልኡ ብመንገዲ ማሕበ ኮም ጻውዒት ቀሪብሎም ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ብዝፍጽምዎ ዘለዉ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዘኽስሶም መርትዖታት ክትእከብ ዝጸንሐት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሰነ ጸብጻባ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከተቕርብ ምድላዋት ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን፣ እቲ መንግስቲ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ኣቢሉ ንደገፍቱ ናይ ተቓውሞ ጥርዓናት ክመልኡ ብዝልዓለ ይሰርሓሉ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚውን መንግስቲ ኤርትራ፣ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝጋባእ መበል 32 ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት ጸብጻባ ብወግዒ ቅድሚ ምቕራባ፣ ኣንጻራ ጽዑቕ ዘመተ ኣብ ምክያድን ተቓውሞታት ኣብ ምውዳብን ተጸሚዱ ይርከብ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ’ውን ኣንጻር እዚ ናይ መንግስቲ ጎስጓስ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ 23 ሰነ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0