ብተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል ሕ.ሃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

ብተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል ሕ.ሃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 25 January 2016

UN

ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ደርቂ ኣብ ኤርትራ፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክህሉ ኣብ ዝኽእል ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ጉዳይ እገዳን ብዝምልከት ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ዑደት ከካይድ’ዩ።

እቲ ብተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን ህጹጽ ረዲኤትን ካንግ ኩዮንግ ዋ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ደርቂን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ጽልዋን ብዝሰፍሐ  ክዝቲ ምዃኑ ምንጭታት ይጠቕሱ።

 

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0