ቫኔሳ በርሀ፣ ንስልማት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ተረቑሓ

ቫኔሳ በርሀ፣ ንስልማት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ተረቑሓ

Radio Erena: 15 February 2016

Van

ንኣስታት 15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከቡ፣ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየን ብጾቱን ክፍትሑ ብ’ዋን ደይ ስዮም’ እትጉስጉስ ዘላ ኤርትራዊት ሽወደናዊት መንእሰይ ቫኔሳ በርሀ፣ ንስልማት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ተረቑሓ።

እቲ ኣብ ስነ ጥበብ፣ ጎስጓስ፣ ዲጂታል ጥብቕናን ጋዜጠኝነት ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዓመታዊ ዝወሃብ Freedom of Expression Awards፣ ኣብዚ ናይ ዓመተ 2016 400 ሕጹያት እኳ እንተቕረበ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ነቲ ስልማት ክዕወቱ ዝልዓለ ቆላሕታ ንዝተገብረሎም፣ ካብ ኣርባዕቲኡ ዓውድታት ሓሓሙሽተ ሑጽያት ብድምር፣ 20 ጥራይ’ዩ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ብምሕላፍ ከም ርቁሓት ኣቕሪብዎም።

ናይ 2016 ተዓወቲ ስልማት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ኣብ 13 ለካቲት ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ብወግዒ ክፍለጡ’ዮም።

 

19 ዓመት ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት ሽወደናዊት ቫኔሳ በርሀ፣ ኣብ ዓውዲ ጎስጓስ (Campaigning) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዝርከብ ተጣባቂን ጎስጓስን ሰብኣዊ መሰላት ዶክተር ዓብዱል መጂድ ኣል ሲንጋስ፣ ብደቂንስትዮ ፓኪስታን ዝውነን ንመሰል ደቂ ሰብ ዝጉስጉስ – ቦሎ ባሂ፣ ዚምባብያዊ ጸሓፊን ተጣባቂ ንኮሲላቲ ኢማኑኤል ሞዮን፣ ንመሰል ናይቲ ብመንግስቲ ቻይና ከቢድ ጸቕጢ ዝግበረሉ ስነ ጥባባዊ ኣይ ወይ ወይ ዝጣበቕን ዝጉስጉስን ፑ ዚክያንግ ብምዃን’ያ ንስልማት ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ ተረቑሓ ዘላ።

ቫኔሳ በርሀ፣ ጓል ሓንቱ ንተጋዳላይ ሰኣላይ፣ ጋዜጠኛ ስዮም ጸሃየ ኮይና፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት’ያ ‘ዋን ደይ ስዮም’ ብዝብል መሪሕ ፣ ን15 ዓመታት ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ስዮምን ብጾቱን ክፍትሑ ብደረጃ ዓለም ጎስጓስ ንምክያድ ዝጀመረት።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0