ኢጣልያ ምህዳን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ትቕጽል

ኢጣልያ ምህዳን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት ትቕጽል

Radio Erena: 15 February 2016

It tra

ካብ ኢጣልያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ስደተኛታት ከሰጋግሩ ጸኒሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 25 ሰባት ኣብ ከተማ ሚላኖ ከምዝተታሕዙ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ገሊጸን።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ደላሎን ኣስጋገርትን፣ ንሓድድደ ስደተኛት ካብ ከተማታት ኢጣልያ ናብ ጀርመን፣ ሽወደን፣ ነርወይ ወይ ከኣ ካልኦት ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ንምስግጋር ካብ ክልተ ሚእቲ ክሳብ 1300 ኤውሮ ከኽፍሉ ከምዝጸንሑ መርበብ ሓበሬታ ሚላን ቱደይ የመልክት።

ኣብ ኤውሮጳ፣ ካብ ኢጣልያ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት ዘሰጋግሩ፣ ብሰምሰርቲ ዝፍለጡ ኤርትራውያን፣ ንሓደ ስደተኛ50 ኤውሮ ንዝሓተት ጉዕዞ ኣማኢት ኤውሮ ከምዘኽፍሉ ይፍለጥ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና፣ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ሱዳን፣ ሊብያ ክሳብ ውሺጢ ኤውሮጳ ንዘሎ ምስግጋር ስደተኛታት ኣብ ምጽናዕን ምክትታልን ከምዝርከባ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ስራሕ ናይ ዝተዋፈሩ ኣማኢት ስም ዝርዝር መዝጊበን ኣም ምክትታል ይርከባ።

ኣቐዲሙ መንግስቲ ኢጣልያ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝሓዞም ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ዞባ ሲቺልያ ከተማ ፓሌርሞ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ክእሰሩ ከምዝተበየነሎም ኣይርሳዕን።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0