ብ 9ን 10ን ግንቦት ንሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሰሚናራት ካብ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ቁምነገር ኣይነበሮን ተባሂሉ

ብ 9ን 10ን ግንቦት ንሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሰሚናራት ካብ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ቁምነገር ኣይነበሮን ተባሂሉ

Radio Erena: May 15, 2014

Asmara Public seminar

ብ 9ን 10 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ንላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ሚኒስትሪታትን ኣመሓደርትን ከምኡ ድማ ንሓለፍትን ካድራትን ህግደፍን ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር፣ ካብ ተሳተፍቲ በዳህቲ ሕቶታት ከምዝቐረቡ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብቲ ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃን ኣብ ሲነማ ኢዴንን ኣዳራሽ ኤክስፖን ዝተኻየደ ሰሚናራት፣ ሞራል ህዝብን ሓለፍትን ህሉው ኩነታትን ንምግምጋም ዝዓለመ ኮይኑ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ሰሚናራት ብዙሕ ፍሉይነት ኣይነበሮን።

 

እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርብን ቀዳምን ዝተኻየደ ሰሚናራት ካብ ዝተላዕሉ ሕቶታት፣ ህድማ መንእሰያት ካብ ሃገር፣ ብልሽውና፣ ናህሪ ዋጋታት ብፍላይ ድማ ጉዳይ መንበሪ ኣባይትን ክብሪ መነባብሮን ዘጠቓለለ’ዩ ኔሩ።

ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፣ ሓለፍቲ ህግደፍን ካድራትን’ውን ኣብ ምምሕዳራ ንኡሳን ዞባታት ንህዝቢ ተመሳሳሊ ሰሚናር ከካይዱ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ተፍሊጡ።

ኣብ ሰራዊት’ውን ተመሳሳሊ ሰሚናራት ክካየድ ጀሚሩ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0