ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ እትሽምቶ ኤሌክትሪክ ገለ ክፋሉ ናብ ኤርትራ ክትሸጦ ምስምምዓ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ከምዘይብላ ተገሊጹ

ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ እትሽምቶ ኤሌክትሪክ ገለ ክፋሉ ናብ ኤርትራ ክትሸጦ ምስምምዓ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ከምዘይብላ ተገሊጹ

Radio Erena: May 15, 2014

Amb Dina

ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ እትሽምቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገለ ክፋሉ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ናብ ኤርትራ ክትሸጦ ምስምምዓ፣ ኢትዮጵያ ዝኾነ ተቓውሞ ከምዘይብላ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ።

እቲ ኣፈኛ፣ ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ዝዓደገቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተመሊሳ ናብ ኤርትራ ክትሸጦ እትዮጵያ እንታይ ይስምዓ ንዝብል ብጋዜጣ ሪፖርተር ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ መንግስቲ ሱዳን ንዝዓደጎ ዝኾነ ነገር ድላዩ ክገብሮ መሰሉ’ዩ ክብል’ውን ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሽዱሽተ ሽሕ ጸዓት ንምምንጫው ዝሕግዝ ዲጋ፣ ንኹለን ጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤልክትሪክ ንምሻት ዝዓለመ’ዩ ዝበል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ ኤርትራ’ውን ተጠቓሚት ናይዚ እንተኾነት ንኢትዮጵያ ጸገም ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

 

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ብተወሳኺ፣ ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ እትሽምቶ ጸዓት ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ነገራት’ውን ናብ ኢትዮጵያ ክትሸጦ ከምእትኽእል ብምዝኽኻር፣ እቲ ዝያዳ ዘገድስ ተጠቐምቲ ብሰላም ጉርብትና ክነብራ ምኽኣለን ጥራይ’ዩ ኢሉ።

መንግስቲ ሱዳን ኣቐዲሙ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ሚእቲ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤልክትሪክ ከምዝተሰማምዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ሱዳን ንገለ ክፋሉ ናብ ኤርትራ ክሸጦ ከምዝወሰነ’ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፊሑ ዝውረ ዘሎ።

ሱዳን ነቲ ካብ ኢትዮጵያ እትሽምቶ ሓይሊ ኤልክትሪክ ንሓደ ኪሎዋት ኣብ ሰዓት ትሕቲ ሓደ ዶላር ማለት 60 ሳንቲን ክኸውን እንከሎ፣ ንኤርትራ ብኽንደይ ከምእትሸጠላ ግና ኣይተሓበረን።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርብ ሱዳን ካብ ዘካየዶ ሓያሎ ስምምዓት፣ ሱዳን ንኤርትራ ሓይሊ ኤልክትሪክ ክትሸጠላ ዝብል ይርከቦ።

ነዚ ንምትጋብር ድማ ካብ ከሰላ ናብ ተሰነይ 45 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መስመር መተሓላላፊ ኤልክትሪክ ንምዝርጋሕ ተጀሚሩ ከምዘሎ ይጥቐስ።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0