ብፖለቲካዊን ህዝባዊ ናዕቢን ዝናወጽ ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር መዓርግ ወሲኹ

ብፖለቲካዊን ህዝባዊ ናዕቢን ዝናወጽ ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር መዓርግ ወሲኹ

Radio Erena: 11 March 2019

ብፖለቲካዊን ህዝባዊ ናዕቢን ዝናወጽ ዘሎ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር መዓርግ ወሲኹ።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ሱዳን ኣሕመድ ኸሊፋ ኣል-ሻሚ ብዓርቢ 8 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ወሰኽ መዓርግ ኣብ 1993 ብዝወጸ ሕጊ ተሞርኪሱ ዝተኻየደ ሙዃኑ ገሊጹ። እንተኾነ ናይቶም ካብ ስልጣኖም ዝተፋነዉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ካብ ወርሒ ታሕሳስ ዝጀመረ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ህዝቢ ንሰራዊት እታ ሃገር ምስ መንግስቲ ዘይኮነ ምስ ህዝቢ ክውግን ጻውዒት ከቕርብ እኳ እንተጸነሐ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ዓዋድ ኢብን ኡፍን፣ ሓለቓ ስታፍ ከማል ዓብደልማዕሩፍን ዝርከብዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ኣልበሽር ደው ከምዝብሉ ገሊጾም’ዮም።

እዚ ሓድሽ ምዕዳል መዓረግ ሰራዊት፣ ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ከካዪድ ዝተመዘ ሓይሊ ዕማም ዘጠቓልል ንምዃኑ ዝተዋህበ መብርሂ የለን።

እቲ ሓይሊ ዕማም፣ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣቚሙ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ንዝተሳተፉ ውልቀሰባት ፍርዲ ክህብ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ፣ ኣብ ጽባሕ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሸሞንተ መጋቢት፣ ንትሽዓተ ደቀንስትዮ ‘ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፍክን’ ብዝብል ክሲ፣ ናይ ሓደ ወርሒ ማእሰርትን፣ 20 ናይ ኩርማጅ መግረፍትን ምብያኑ፣ ኣብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ቁጠዐ ፈጢሩ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0