ብፍላይ ኤርትራ፣ ኣብ ህጻናት ከቢድ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ይረአ

Radio Erena: 16 February 2020

ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ናይ መግቢን ማይን ሕጽረት ዝያዳ ገዲዱ ከምዘሎ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ሕጽረት’ዚ ምስ ዳግማይ ምዕጻው ዶባት ዝያዳ ከምዝኸፈአ ዘመልከቱ ምንጭታትና፣ ብወገን መንግስቲ ዝረኣይ ዝኾነ መፍትሒ ይኹን ተስፋ ከምዘየለ ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ህጻናት ዝረአ ዘሎ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ፣ ብእዋኑ መፍትሒ እንተዘይተገይሩሉ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ሳዕቤን ከኸትል ምዃኑ ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።

ከምዝፍለጥ፣ ዩኒሴፍ ኣብ ናይ 2019 ዓመታዊ ጸብጻቡ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ 5 ዓመት ንታሕቲ ኣብ ዝርከቡ ህጻናት፣ ልዕሊ 60 ሚእታዊት ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ከምዝጥቅዑ ገሊጹ’ዩ።

እዚ ኣሃዝ እዚ ኣዝዩ ዘሰምብድ ምዃኑ ዝገልጹ ኣባላት’ቲ ማዕከን ህጻናት፣ ኤርትራ ካብተን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠመን ከም በዓል፣ ዚምባብወ፣ ደቡብ ሱዳንን ሞዛምቢክን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ዝኸፈአ ኩነታት ከምዘላ የመልክቱ። እዚ ኣብ ህጻናት ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይተገይሩሉ፣ ናብ ዓጸቦ ክሰጋገር ግዜ ከምዘይወስድ እዮም ዘጠንቅቑ።

ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ዝጥቅዑ ህጻናት፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኣካላቶም ዝወርድ መጉዳእቲ፣ ንሕማም ዝህልዎም ተጻዋርነት፣ ንዕቤት ኣእምሮኦም እውን ስለዝጸልዎ፣ ናይ ኣተሓሳስባን ትምህርቲ ናይ ምቕባል ዓቕሞምን ከምዝደክም ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0