“ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘስፋሕፈሐ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ዝተሓተተ ህጹጽ ሓገዝ 29% ጥራይ’ዩ ተረኺቡ” FAO

Radio Erena: 14 February 2020

ኤርትራ እትርከበን ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝተጠቕዓ ሓሙሽተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ካብ ዝተሓተተ 76 ሚልዮን እቲ 22 ሚልዮን ጥራይ ከምዝተኣከበ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ውድብ መግብን ሕርሻን ኩ ዶንግዩ ገሊጹ።

ንሱ፣ ክሕግዙ ምስ ዝኽእሉ መወልቲ ኣካላት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልን እኳ እንተኾነ፣ ኤርትራ፣ ጅቡቲን ኬንያን’ውን ቀሊል ዘይኮነ ሓደጋ ከምዘንጸላለወን ኣረዲኡ።

ገለ ክፋል እቲ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ድሮ ናብ ኡጋንዳ ሰጊሩ ከምዘሎን ኣብ ታንዛንያ’ውን ከምዝተራእየን’ውን ኣገንዚቡ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ 25 ዓመታት እቲ ዝኸበደ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ይኹን’ምበር ነቲ ወራር ንምምካት ካብ መወልቲ ዝተሓተተ 76 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ሃገዝ ዛጊት እቲ 29% ጥራይ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ።

ነዚ ሓገዝ ዘበርከቱ ሕብረት ኤውርጳ፣ ጀርመን፣ ኣመሪካ፣ ቤልጁም፣ ሽወደን፣ ደንማርክ፣ ስዑዲ ዓረብን ስውዘርላንድን ዘመስገነ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ውድብ መግብን ሕርሻን ካልኦት’ውን ኣሰሮም ክስዕቡ ጸዊዑ።

ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪሎሜተር ዘርእቲ ዝወረረ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ሓደ መዓልቲ፣ 35 ሽሕ ህዝቢ ክቕልብ ዝኽእል እኽሊ ከምዝበልዕ’ዩ መጠንቀቕታ ዝቐረብ ዘሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሶማል ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ እዋን ክትእውጅ እንከላ፣ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ጅቡቲን ድማ ነቲ ወራር ንምምካት ይረባረባ ኣለዋ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0