ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ምስቶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ፣ ኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ባሲልዮስን  ብሓባር  ኣብ  ሓደ  ህንጻ  ይነብሩ  ከምዘለዉ  ተሓቢሩ

ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ምስቶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ፣ ኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ባሲልዮስን ብሓባር ኣብ ሓደ ህንጻ ይነብሩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 13 December 2017

abune antonios

ን13 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ ፓትርያርክ ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ምስቶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ፣ ኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ባሲልዮስን ብሓባር ኣብ ሓደ ህንጻ ይነብሩ ከምዘለዉ ምስታ ቤተ ክርስትያን ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣቡነ እንጦንዮስ ካብቲ በይኖም ን13 ዓመታት ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ብሕቱው ክፍሊ፣ ናብዚ ምስ ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስን ኣምሓዳሪ ኣቡነ ባሲልዮንስ ብሓባር ዝነብርሉ ቪላ እኳ እንተገዓዙ፣ ክብሪ ፓትርያርክነቶም ተቐንጢጡ፣ ኣብ ተራ ክልተ ክፍልታት ናይቲ ቪላ ይነብሩ ምህላዎም እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ልብሲ ፓትርያርክ ወይ ኣቡን ዘይኮነ፣ ልብሲ ተራ ፈላሲ፣ ከምዝኽደኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ በንጻሩ እቶም ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎም መሳርሒ ህግደፍ ክኾኑ ዝመረጹ ክልተ ኣቡናት ኣብቲ ቪላ የጋይጹን፣ ልብሲ ኣቡናት ይኽደኑን ምህላዎም ጠቒሶም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ብሓባር ዝካየድ ጸሎትን ቡራኬን ከይሳተፉ ተኸልኪሎም ዘለዉ 93 ዓመት ዝዕድሚኦም ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ብፍሉይ ፍቓድ ክበጽሕዎም ንዝመጹ ኣጋይሽ ይቕበሉ እኳ እንተለዉ፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምክትታል ስለዝርከቡ ግና ዘለውዎ ኩነታት ከዕልሉ ከምዘይክኣሉ’ዩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ ክሞትሉ እሞ፣ ነቶም ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንህግደፍ ከገልግሉ ዝመረጹ ኣቡናት ክሸይም’ዩ ዝጽበ ዘሎ ዝበሉ ወሃብቲ ርኢቶ ድማ፣ ሞት ዘይተፍር ዕጫ ኩሉ ሰብ እኳ እንተኾነ፣ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝሞትዎ ሞት ግና ሞት ክብርን ጽድቅን’ዩ ክኸውን ክብሉ ስምዒታቶም ገሊጾም።

ህግደፍ፣ ብሚኒስተራትን ጀነራላትን ዓጂቡ ባዕሉ ዝሸሞም ፓትርያርክ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ብኣሕዋት ኣብያተ ክርስትያን ዓለም ተቐባልነት ከይረኸቡ፣ ንሓያሎ ዓመታት ብሕማም ሰንኪሎም ኣብ 2015 ከምዝሞቱ ኣይርሳዕን።

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ድማ ኦሮቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ብዘይ ወግዓዊ ፓትርያርክ ተሪፋ ኣላ።

መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ባሲሎስን፣ ብኣቡናት ገዳማት ኤርትራ ከምዝተወገዙ ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0