ብጉዳይ ናቕፋን ሓዋላ ሸርፍን ተዓሺገን ዝጸንሓ ሓደ ሓደ ትካላት ይኽፈታ ኣለዋ

ብጉዳይ ናቕፋን ሓዋላ ሸርፍን ተዓሺገን ዝጸንሓ ሓደ ሓደ ትካላት ይኽፈታ ኣለዋ

Radio Erena: 25 January 2018

 lion hotelገለ ካብተ ብጉዳይ ናቕፋን ሓዋላ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ተዓሺገን ዝርከባ ትካላትን ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ክኽፈታ ጀሚረን።

እዘን ዝኽፈታ ዘለዋ ትካላት፣ ንሓደ ወርሒ ክዕሸጋን ከከም ዕብየተን ክሳብ 100 ሽሕ ዝግመት ናቕፋ ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ተበይኑለን ዝጸንሓ’የን።

ካብዘን ተዓሺገን ዝጸንሓ’ሞ ኣብዚ ቅንያት እዚ ዝተኸፍታ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት፣ ከም ሆቴላትን ኣብያተ መንግብን መስተን ክሪስታልን ላዮንን ይርከብአን።

ናቕፋ ናብ ባንክ ከተእትዉ ኣይጸናሕኩምን ብዝብልን ከምኡ’ውን ብሓዋላ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ዝተጠርጠራ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝተዓሸጋ ትካላት ልዕሊ ሓደ ሽሕ ክበጽሓ እንከለዋ፣ ካብ ሓደ ክሳብ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክዕሸጋ’ዩ ተወሲኑለን።

ብዘይካ’ዚ ከከም ዕብየተን ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክብየነለን እንከሎ፣ እተን ትካላት ተዓሺገናሉ ኣብ ዘለዋ እዋን ደሞዝ’ቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ሰራሕተኛታተን ክኸፍላ’ውን ብመንግስቲ ይግደዳ ከምዘለዋ ምንጭታት ካብ ኣስመራ የመልክቱ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0