ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ብ35% ጎዲሉ

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ብ35% ጎዲሉ

Radio Erena: 25 January 2018

eri in swissኣብ ስዊዘርላንድ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2017 ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝተሰርዐ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት ብሓፈሻ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ 18,088 ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ብምንጻር፣ ካብዚኦም እቶም 3,375 ኤርትራውያን ምዃኖም ሓቢሩ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እኳ እንተተሰርዐ፣ ምስ ናይ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ ብ35% ከምዝጎደለ’ዩ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ዘመልክት።

ሓፈሻዊ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብታ ሃገር ብ33.5 % ጎዲሉ ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ምጉዳል ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝመጹ ስደተኛታት ብዝሒ ምጉዳሉ ከም ቀዳማይ ምኽንያት ዘቕረበ እቲ ክፍሊ ከም ካልኣይ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን፣ ዒራቕን ሶርያን ዘሎ ኩነታት ተዛማዲ ህድኣት ብምርካቡ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እንተኾነ ኣውራ ምጉዳል ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ እታ ሃገር ኣብ ምሕታት ዑቕባ እትኽተሎ ዘላ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሱ።

============================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0