ብደረጃ ዓለም 326 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለው ተሓቢሩ

ብደረጃ ዓለም 326 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለው ተሓቢሩ

Radio Erena: 21 December 2017

rsfኣብዛ ትዛዘም ዘላ ዓመተ 2017፣ ብደረጃ ዓለም 326 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ፣ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ (RSF) ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብዛ ዓመት እዚኣ 65 ጋዜጠኛታት ክቕተሉ እንከለዉ 54 ከኣ ጅሆ ከምዝተታሕዙ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ኮሚቴ ንምጥባቕ ጋዜጠኛታት (CPJ) ኣቐዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ተመሳሳሊ መግለጺ ድማ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ኣፍሪቃ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳመይ ቦታ ሒዘን ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቡ።

 መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2001 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ፣ ዝኣሰሮም ብውሑዱ 20 ጋዜጠኛታት ደሃዮም ከጠፍእ እንከሎ፣ ግብጺ ብወገና በብእዋኑ ዝቐየደቶም 15 ጋዜጠኛታት ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ብመሰረት መግለጺ CPJ፣ ኣብዛ እትዛዘም ዘላ ዓመተ 2017፣ 73 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ዘላ ቱርኪ’ያ።

ንቱርኪ ስዒበን ቻይና፣ ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ኣዘርባዥያንን ቬትናምን ጋዜጠኛታት ብምእሳር ክሳብ ሻድሻይ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።

ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ብደረጃ ዓለም ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ከምእትርከብ ሰነዳት ኣህጉራውያን ትካላት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0