ትካላት ሱዳን፣ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ፍርያተን ደው የብላ

ትካላት ሱዳን፣ ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ፍርያተን ደው የብላ

Radio Erena: 21 December 2017

kharthuፋብሪካ መፍረ መድሃኒት ዝርከቦም ሓያሎ ትካላት ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ቅልውላው፣ ፍርያተን ደው የብላ ከምዘለዋ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ብዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ መጠን ሸርፊ ባጤራ እታ ሃገር ብመንጽር ናይ ወጻኢ፣ እናንቖልቖለ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራን ምንቁልቛል መጠን ሸርፍን ንምሕዋይ ሓያሎ ተበግሶታት እኳ እንተወሰደ ክዕወት ኣይከኣለን።

 እቲ መንግስቲ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ተዋፊሮም ንዝርከቡ ውልቀሰባትን ትካላትን ይሃድን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሓያሎ ካብዞም ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን ተዋፊሮም ዝርከቡ ውልቀሰባትን ትካላትን ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዱባይን ዝዋፈሩ ምዃኖም’ዩ መንግስቲ ሱዳን ዝወቕስ።

እዚ ኣብ ሱዳን ኣንጸላልዩ ዘሎ ቅልውላው፣ ንብዙሓት ትካላት መፍረ መግብታትን መድሃኒታትን ጸልዩ ስለዘሎ፣ ሓያሎ ካብዘን ትካላት ፍርያተን ከጉድላ እንከለዋ፣ ገሊአን ከኣ ፍርያተን ደው ከምዘበላ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ሱዳን፣ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት ዋሕዲ መድሃኒት ከየጋጥም ተሰጊኡ ይርከብ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ሓደ ካብቲ ኣውራ ጠንቅታት’ዩ ዝበሎ ናብ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ንግዲ ወይ ኮንትሮባንድ ንምግትኡ ፍሉይ ተበግሶ ከምዝወሰደ’ዩ ዝሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0