ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 7 ሚልዮን ቅድሓት ዝሸጠት ናይ መሓመድ ካርቱን ዝሓዘት ጋዜጣ ሻርሊ ኤብዶ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ከኣ ተቓውሞታት ኣለዓዒላ

ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 7 ሚልዮን ቅድሓት ዝሸጠት ናይ መሓመድ ካርቱን ዝሓዘት ጋዜጣ ሻርሊ ኤብዶ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ከኣ ተቓውሞታት ኣለዓዒላ

Radio Erena: 19 January 2015

jeMu

መንግስቲ የመን፣ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ክህልዎም ዝኽእልክልተ ናይ ፈረንሳ ዜግነት ዘለዎም ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።

እቶም ጥርጡራት ቅድሚ’ቲ ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተታሕዙ መንግስቲ እታ ሃገር እኳ እንተሓበረ፣ ምስቲ ናይ ፓሪስ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ብዛዕባ ምንባሮም ግና ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ኣብ የመን ዝመደበሩ ኣልቓዒዳ ናይቲ ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝተፈጸም ሽበራዊ መጥቃዕት ሓላፍነት ከምዝወሰደ ዝፍለጥ’ዩ።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሶማል ኣንጻር እታ ናይ መሓመድ ካርቱን ሒዛ ዳግም ዝተሓትመት ናይ ፈረንሳ ጋዜጣ ‘ሻርሊ ኤብዶ ‘ዝቐንዐ ተቓውሞ ተኻይዱ።

እታ ሰሙናዊ እትሕተም ጋዜጣ፣ ኣብ ናይ ሪቡዕ ሕታማ 3 ሚልዮን ቅዳሓት እኳ እንተዘርግሐት ቅድሚ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ኣብ ዝነበረ ግዜ ብምሉኡ ክውዳእ ብምኽኣሉ፣ ናብ መላእ ዓለም ዝቐንዐ ተወሳኺ 7 ሚልዮን ቅዳሓት ክትዝርግሕ ከምዝተገደደት ኣዳለውታ ይሕብሩ።

እንተኾነ ኣንጻር እታ ጋዜጣ ዝቐንዐ ተቓውሞታት ድሮ ኣብ ፓኪስታን፣ ኒጀርን ሶማልን ሱዳንን ተለዓዒሉ ይርከብ።

ብፍላይ ኣብ ኒጀር በታ ጋዜጣ ዝተቖጥዑ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኣመንቲ ክርስትናን ኣብያተ ክርስትያንን መጥቃዕቲ ምክያዶም ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኣምባሳደር ፈረንሳ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ኩነታት ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ከይህብ ተኸልኪሉ።

ብኻልእ ወገን’ውን፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ናይታ ጋዜጣ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቓዕቲ፣ ኣብ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ደቀባት እተን ሃገራትን ሳጊሞም ዝመጹ ኣመንቲ ምስልምናን ምትፍናን ፈጢሩ ምህላዉ ብሓያሎ ማዕከናት ዜና ይግለጽ ኣሎ።

ብፍላይ ጀርመን ፈረንሳን ቤልጁምን፣ ኣንጻር ኣኽረርቲ ኣመንቲ ምልስምና ዝቐንዐ ስምዒታት ተላዓዒልሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ መንግስታት እዘን ሃገራት ብ10ታት ኣሽሓት ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ኣዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብታ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝተቐትለላ ከተማ ድረስደን፣ ኣንጻር ኣኽረርቲ ኣመንቲ ምስልምና ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፣ ፖሊስ እታ ሃገር ብሰንኪ ጸጥታዊ ምኽንያት ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከይካየድ ከምዝኣገዶ ተፈሊጡ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0