ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 12 ዓመቱ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ፣ ኣውራ ተሓተቲ ኢትዮጵያ’ያ ክብሉ ኤርትራውያን ነቒፎም

ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 12 ዓመቱ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ፣ ኣውራ ተሓተቲ ኢትዮጵያ’ያ ክብሉ ኤርትራውያን ነቒፎም

Radio Erena: April 10, 2014

አሪ አትሂኦ Bኦርደር

ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን 12 ዓመት ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ ወርሒ ሚያዝያ፣ ኢትዮጵያ ንውሳኔ እቲ ኮሚሽን ብምኽባር ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ክትስሕብ ከምዝግባእ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ሓያሎ ኤርትራውያን ደጊሞም ጸዊዖም።

ኢትዮጵያ ባድመ ካብ ዝርከቦ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሰራዊት ንምስሓብ ናይ ዘተ ቅድመ ኩነት ብምቕራብ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ከቢድ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምግሃስ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ መመሳመሲ ባይታ ፈጢራትሉ ምህላዋ’ውን እቶም ኤርትራውያን ኣረዲኦም።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይስሓበትን ናይ ዶብ ስግኣትን ብዝብል ጉልባብ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ኣብ ምድሃኽ ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ቅድሚ 12 ዓመታት ብኮሚሽን ዶብ ዝተወሰነ ባድመ ዝርከቦ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ክትወጽእ ኣህጉራዊ ግዴታ እኳ እንተለዋ፣ ንህሉው ኩነታት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ብምምዝማዝ፣ ነቲ ውሳኔ ከተተግብሮ ከምዘይክኣለት’ውን ሓያሎ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም’ውን መንግስቲ ኤርትራ፣ ውልቀ ምልካዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፣ ሉኣላውነት ሓንቲ ሃገርን ህዝባን ኣብ ምኽባር ተራኡ ክጻወት ግዴታ እኳ እንተለዎ፣ ኣብዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳይ ሸልል ኢልዎ ምህላዉ’ውን ነቒፎም።

ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ከምዝሃበ ይዝከር።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0