ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነርወይ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነርወይ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ

Radio Erena: May 12, 2014

Nor

ሎሚ ዓመት ኣብ ነርወይ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 2 835 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት እቶም 774 ኤርትራውያን ምንባሮም ክፍሊ ኢምግሬሽንን ስደተኛታትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ክፍሊ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ዜጋታት 86 ሃገራት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን 25 ሚእታዊት ከምዝኾነ ብምጥቃስ፣ እዚ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነወርይ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምዝስራዕ ኣመልኪቱ።

 

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፣ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነወርይ ብ15 ሚእታዊት ከምዝጎደለ እኳ እንተተሓበረ፣ ኣብዘን ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይዛ ዓመት ጥራይ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 10 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብውሕዱ እቶም ሰለስተ ኤርትራውያን ምዃኖም’ዩ ዝሕበር።

ንዝብሒ ኤርትራውያን ተኸቲሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ነርወይ፣ ዜጋታት ሶርያ ኮይኑ፣ 384’ዩ።

ጎረቤት ነርወይ ዝኾነ ሽወደን ድማ ካብቶም ኣብ ነወርይ ዝሓለፈ ዓመት ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብሽዱሽተ ዕጽፊ ከምዝዛይድ ዘ ኖርዲክ ፔጅ ዝተባህለ ማዕከን ዜና የመልክት።

እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ነወርይ ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት 86 ሃገራት 2,835 ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ሽወደን ድማ 18 ሽሕ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኔሮም።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0