ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ ትሕቲ 2% ምዃኑ ተሓቢሩ

ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ ትሕቲ 2% ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena : 15 October 2015

Internet

ኣብ ኤርትራ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ትሕቲ 2% ምዃኑ ሓድሽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ነዚ መዳይ እዚ ዝከታተል ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኢንተረነት 43% ጥራይ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተጠቃሚ ኣገልግሎት ክኸውን ከምዘይክኣለ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን እቲ ዝበዝሐ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ኣስሚሩ።

 

ኣብ ከም ኤርትራ፣ ብሩንዲ፣ ጊኒን ሶማልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ትሕቲ ክልተ ካብ ንሚእቲ ምዃኑ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምስፍሑ’ውን ምስ ፌስቡክን ናይ ፈረንሳ ትካል ዩተልሳትን ካልኦትን ብምትሕብባር ይስርሓሉ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር።

ዝበዝሓ ሃገራት ብሰንኪ ዓቕምን ድሩት ዝርግሐ ቴክኖሊጅን፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምቲ ዝድለ ከተኣታትዋ እኳ እንተዘይክኣላ፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ከኣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለወን ናይ ዓቕሚ ድሩትነት ጉዳይ፣ መንግስታተን ኣብ ናጽነት ሓስብካ ምግላጽን ናጻ ፕረስን ብዘለዎ ፍርሒ ኣገልግሎት ኢንተርነት እንተዘይሰፍሐ’ዮም ዝመርጹ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0