ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ዘሰጋግራ ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከዕኑ ካብ ሕቡራት ሃገራት ፍቃድ ረኺቡ

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ዘሰጋግራ ጀላቡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከዕኑ ካብ ሕቡራት ሃገራት ፍቃድ ረኺቡ

Radio Erena : 16 October 2015

Lib

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ንዝዋፈራ ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከይተበገሳ ከዕኑ፣ ካብ ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ረኺቡ።

ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝውነናን ጀላቡ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተጸጊዐን ኣብ ዝርኣያሉ እዋን፣ ቅድሚ ሰብ ምጽዓነን ብነፈርቲ ውግእ ሕብረት ኤውሮጳ ክዓንዋ ዝብል ንድፊ ሓሳብ ኣቐዲሙ ብብሪጣንያ ዝቀረብ ኮይኑ ሕብረት ኤውሮጵ ከምዝደገፎ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ ናብ ግብሪ ንምስግጋሩ ካብ ሕቡራት ሃገራት ድጋፍ ንምርካብ ነቲ ንድፊ ሓሳብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣቕሪብዎ።

 

15 ቀወምትን ግዝያውያንን ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብቲ ጉዳይ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ናይ 14 ሃገራት ድጋፍ ረኺቡ።

ግዝያዊት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ቬኔዙዌላ ግና ናይ ድጋፍ ይኹን ናይ ተቓውሞ መልሲ ኣይሃበትን።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ውሳኔ ከኣ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ክሳብ ሊብያ ዝንቀሳቀስ ወትሃደራዊ ስርሒታት ብምክያድ ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንዝነጥፉ ክሃድንን ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰብ ዝነጥፋ ጀላቡ ድማ ከዕኑን ተፈቂድሉ ኣሎ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0