ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ኢጣልያ፣ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ኢጣልያ፣ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: 10 February 2016

Italy

ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ኢጣልያ፣ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመት ክእሰሩ ከምዝተፈርዱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ካብ ከተማ ፓሌርሞ ሓቢረን።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም ዝተጠቕሱ ሽዱሽተ ሰባት፣ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያን ካእሎት ሃገራት ኤውሮጳን ስደተኛታት ኣብ ምስግጋር ተወሃሂዶም ክሰርሑ ዝጸንሑ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ ‘ኣንሳ’ ገሊጹ።

ቤት ፍርዲ ናይታ ኣብ ዞባ ሲቺልያ እትርከብ ከተማ ፓሌርሞ፣ ብሰኑይ 8 ለካቲት 2016 ኣብ ዝሃቦ ብይን ከኣ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ማእሰርቲ ብይን ኣመሓላሊፉ።

 

ኣኽባር ሕጊ ኢጣልያ ብዘይካ’ዚ፣ ቀንዲ መራሕትን ሃንደስትን ናይቲ ምስግጋር ምዃኖም ናይ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ክሲ ብኣካል ክርከቡ ስለዘይክኣሉ ንኻልእ እዋን ኣሰጋጊርዎ ኣለዎ።

እዞም ዝህደኑ ዘለዎ ሰለስተ ሰባት ክርከቡ ክተሓዙ እንተኽኢሎም፣ ክሳብ 30 ዓመታት ማእሰርቲ ክብየነሎም ከምዝኽእል’ዩ ዝንገር።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምስግጋር ስደተኛታት ንዝነጥፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ይሃድና ከምዘለዋ ዝፍለጥ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0