ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ናይ ዝኣትዉ ኢትዮጵያን ብዝሒ ይውስኽ ምህላዉ ተሓቢሩ

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ናይ ዝኣትዉ ኢትዮጵያን ብዝሒ ይውስኽ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 13 November 2014

Ethio kenya

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ እናሰገሩ ናብ ኬንያ ናይ ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያን ቁጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይውሽክ ምህላዉ ዘ ስታንዳርድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ማዕከን ዜና፣ ብገምጋም መዓልታዊ 30 ኢትዮጵያውን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ከምዝኣተዉ ብምጥቃስ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ብፖሊስ ተታሒዞም ናብ ዓዶም ክምለሱ እንከለዉ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ሃገራት ምብራቕን ማእከላን ኣፍሪቃ ብምቁራጽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንምእታው ከምዝሳግሙ ኣመልኪቱ።

 

ብሰንኪ’ዚ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ፣ ብዝሒ ዘይሕጋውያን ኣሰጋግርቲ ሰባት ዝሓትዎ ክፍሊትን’ውን እናዛየድ ይመጽእ ከምዘሎ ዘገንዘብ እቲ ጸብጻብ፣ ክልትኤን ሃገራት ነዚ ፍኑው ምስግጋር’ዚ መግትኢ ክገብራሉ ኣዘኻኺሩ።

ጸብጻብ ዘ ስታንዳርድ ብተወሳኺ፣ 70 ሚእታዊ ናይቲ ዝካየድ ምስግጋር፣ ንክልቲኤን ብዘዋስን ዶብ ሞያለ ከምዝፍጸም ብምጥቃስ፣ ነፍሲ ወከፍ ዶብ ዝሰግር ሰብ ክሳብ ሓደ ሽሕ ዶላር ንደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ከምዝኸፍል ኣረዲኡ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 900 ሽሕ ዶላር ንደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ከምዝኽፈል ብምምልካት’ውን ቅልጡፍ መግትኢ እንተዘይተረኺብሉ፣ ናብ ዝበኣሰን ዝተሓላለኸን ገበን ክስዕርር ከምዝኽእል ኣጠንቒቑ።

በዚ ዘይሕጋዊ መንገዲ’ዚ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ብምቁርራጽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ብዝሒ ኢትዮጵያን ክሳብ 50 ሽሕ በጺሑ ምህላዉ’ውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት International Organisation for Migration (IOM) ይሕብር።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0