ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ናይ ዝኣትዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ናብ ዜሮ ወሪዱ

ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ናይ ዝኣትዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ናብ ዜሮ ወሪዱ

Radio Erena: 14 November 2014

Israel

ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ናይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝሒ ናብ ዜሮ ወሪዱ ምህላዉ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ከምዘይነበሩ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ኸኣ እስራኤል ኣብ ኣተሓሕዛ ብዘይሕጊ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ዘለዋ ዕዉት ፖሊሲ ዘርኢ’ዩ ክብል ገሊጹ።

 

መንግስቲ እስራኤል፣ ብሲናይ ዶብ ሰጊሮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ ንልዕሊ 80 ሚእታዊት ናይቲ ዶብ ኤሌክትሪክን ዝተራቐቐ መሳርሕን ዘለዎ ሓጹር ተኺሉ ምህላዉ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ እስራኤል 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ንዝርከብዎም ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መሰል ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ብምንጻግ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰላት ከምዘይህልዎም እናገበረ ካብታ ሃገር ብግዴታ ክወጹ ይደፋፍእ ምህላዉ’ዩ ብተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝውቀስ።

ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዜሮ ወሪዱ እናሃላወ በንጻሩ ካብታ ሃገር ዝወጹ ቁጽሪ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን እናዛየደ ይምመጽእ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0