ብውሕዱ ሰለስተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 26 ኣትለታት ዝሓቖፈት ጋንታ ስደተኛታት ኦለምፒክ ናብ ጃፓን ኣምሪሓ

Radio Erena: 19 July 2021

ብውሕዱ ሰለስተ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 26 ኣትለታት ዝሓቖፈት ጋንታ ስደተኛታት፣ ኣብ ኦለምፒክ ቶክዮ 2020 ንምስታፍ ናብ ጃፓን ኣምሪሓ።

እዛ 16 ኣሰልጠንትን 10 ዝተፈላለዩ ሞያውያን ዘለውዋ ብድምር፣ 52 ኣባላት ዝሓቖፈት ጋንታ ስደተኛታት ኦሎምፒክ፣ ኣብ ቀጠር ኣብ ልምምድ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ካብ ሰንበት 18 ሓምለ ኣትሒዛ፣ በብጉጅለ ናብ ጃፓን ተቕንዕ ዘላ።

እዛ ብስደተኛታት ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን ኢራንን ዝቖመት ጋንታ፣ ናይ ኦለምፒክ ባንዴራ እናንበልበለት’ያ ኣብ መድረኽ ኦለምፒክ ቶክዮ 2020 ክትቕልቀል።

እዛ ናይ ሎሚ ዓመት ጋንታ ስደተኛታት ኦለምፒክ ፣ ካብታ ኣብ 2016፣ ኣብ ብራዚል፣ ከተማ ሪዮ-ዲጀነሮ ዝተሳተፈት ጋንታ ብሰለስተ ዕጽፊ ትዓቢ።

ምስዛ ናይ ሎሚ ዓመት ጋንታ ተጸንቢሮም ካብ ዘለዉ ኣትሌታት፣ ክልተ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ሓንቲ ጓለነስተይቲ ድማ ኣብ ጨመተ ቶዅሲ ዝወዳደሩን ብውሕዱ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣለውዋ።

ልዕሊ 13 ኤርትራውያን’ውን ኣብ ጉያ እግሪን ቅድድም ብሽክለታን፣ ኣብዚ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ፣ ኣብ ጃፓን ዝካየድ፣ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ንኤርትራ ብምውካል ክሳተፉ ትጽቢት ተነቢርሎም ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0