OPEC፣ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝፈሪ ነዳዲ ክወስኽ ተሰማሚዑ

Radio Erena: 20 July 2021

ማሕበር ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ ወይ OPEC፣ መዓልታዊ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝልኣኽ ነዳዲ ብ400 ሽሕ በርሚል ክውስኽ ተሰማሚዑ።

እዚ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ወሰኽ፣ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ፍርያት ነዳዲ፣ መዓልታዊ ናብ ኣስታት 2 ሚልዮን በርሚል ከሰጋግሮ’ዩ።

ወሰኽ ፍርያት ነዳዲ፣ ንዋጋታቱ ከጉድለዮ ዝብል ስግኣት ዝጸንሐ ስዑዲ ዓረብ፣ ነቲ ብማሕበር ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝተደገፈ እማመ ክትቃወሞ’ያ ጸኒሓ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ነዳዲ እተፍሪ ሃገር፣ ነቲ ስምምዕ ከምዝተቐበለቶ ተገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 70 ዶላር ዝሽየጥ ዘሎ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ፣ መዓልታዊ ፍርያቱ እንተወሲኹ፣ ዋጋታቱ ክጎድል ከምዝኽእል’ዩ ዝትንተን።

ብኣንጻር እዚ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናህሩ እናጎደለ ስለዝመጸ፣ ንቡር ምንቅስቓስ ቁጠባ ኣብ ዝጅምረሉ፣ ጠለብ ነዳዲ ስለዝዓቢ፣ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ናብ ኣስታት 80 ዶላር ክዓርግ ከምዝኽእል ዝተንትኑ’ውን ኣለዉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0