ብወገን ምዕራባዊ ሸነኽ ትግራይ፣ ሓድሽ ግንባር ከምዝተኸፈተ፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ መግለጺ ኣመልኪቱ

Radio Erena: 01 September 2022

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዳግማይ ዝጀመረ ኲናት፣ ብወገን ምዕራባዊ ሸነኽ ትግራይ፣ ሓድሽ ግንባር ከምዝተኸፈተ፣ ብክልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ሓይልታት ትግራይ፣ እቲ ብወገን ከባቢታት ደሴ ብሰራዊት መንግስቲ ዝጀመረ ኲናት፣ ጸቕጢ ንምፍጣር ደኣምበር፣ ቀንዲ ዒላማ’ቲ መጥቃዕቲ፣ ብወገን ምዕራብ ኲናት ንምኽፋት እዩ፣ ክብሉ ኣቐዲሞም ክሲ ከምዘቕረቡ ዝዝከር’ዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ብከባቢታት ወልቃይትን ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታትን ዝጀመረ ኲናት፣ ብህወሓት ከምዝተወለዐ ከሲሱ።

ብካልእ ወገን፣ ናብ ረቡዕ 31 ነሓሰ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ኣካዪዱ ክብል ህወሓት ከሲሱ።

ኣመሓዳሪ ሆስፒታል ዓይደር ክብሮም ገብረስላሴ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘገሖ ጽሑፍ፣ ብሰሉስ ለይቲ ኣብ ከባቢ ሆስፒታል መቐለ ደብዳብ ከምዝተኻየደ ኣመልኪቱ።

ወሃብ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ኣብ ዝዘገሖ ሓበሬታ፣ እቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተኻዪዱ ዝበሎ ደብዳብ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ብውሑዱ ኣብ ሰለስተ ቦታታት፣ ከምዘጥቀዐ ገሊጹ።

ነዚ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዝምልከት፣ እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ እዋን፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ብወገን ፈደራላዊ መንግስትን፣ ሓይልታት ትግራይን፣ ነዚ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ይኹን ቁጽሪ ግዳያት ብዝምልከት ዝወሃብ መግለጺታት፣ ብሳልሳይ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0