ብኤርትራ ዝተዋፈሩ ዕሱባት፣ ጸጥታ ጅቡቲ ንምዝራግ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ወቒሱ

ብኤርትራ ዝተዋፈሩ ዕሱባት፣ ጸጥታ ጅቡቲ ንምዝራግ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ወቒሱ

Radio Erena: 05 May 2015

DjiER

ኤርትራ ንጸጥታ ጅቡቲ ንምዝራግ ትሰርሕ ኣላ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሓሰን ዑመር መሓመድ ወቒሱ።

እቲ ሚኒስትር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዕሱባት ብምውፋር፣ ኣብ ውሽጢ ጅቡቲ ንዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ምርዓድ ተግባራት የካይድ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ እቶም ዕሱባት ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንሓያሎ ጅቡታውያን ከምዝጨወዩ’ውን ኣመልኪቱ።

 

ጅቡቲ ሰላም ንዝዘርግ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጻብኦታት ኣብ ልዕሊኣ ክፍጸም ከምዘይትፈቕድ’ውን ኣጠንቒቑ።

እንተኾነ እዚ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዝተዋህበ መግለጺ፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ከምዘይክኣላ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ- ኣናዶሉ ይሕብር።

መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብዛዕባ’ዚ ብላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጅቡቲ ዝቐረበ መግለጺ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ፣ ንኤርትራ ብተጻብኦ ዝወቕስ ዘሎ፣ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰት ወከልቲ ሃገራት ስዑዲ ዓረብ ኢማራት ዓረብን ዝጸዓነት ሄሊኮፕተር ናብ ጅቡቲ ቀጥታዊ በረራ ኣካይድ ዝብል ዜና ካብ ሚድል ኢስት ሞኒቶር ድሕሪ ምዝርግሑ’ዩ።

ኤርትራን ጅቡትን ድሕሪ ኣብ 2008 ዘካየድኦ ግጭት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብተበግሶ ቀጠር ናይ ሰላምን ዕርቕን መስርሕ እኳ እንተተጀመረ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ እወታዊ ውጽኢት ክርከቦ ኣይከኣለን።

እቲ ናይ ቀጠር ተበግሶ ዘይተዓወተሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከይሕብር ስለዝሓንገደ ምዃኑ መንግስቲ ጅቡቲ ዝወቕስ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ድማ በንጻሩ፣ ተበግሶ ቀጠር ዘይተዓወተሉ ብሰንኪ ምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጅቡቲ’ዩ ክብል’ዩ ዝገልጾ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0