ብኤርትራውያን ዝተወደበ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጄኔቫ ንካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ

ብኤርትራውያን ዝተወደበ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጄኔቫ ንካልኣይ መዓልቱ ቀጺሉ

Radio Erena : 26 June 2015

Human Righ2

ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ጄኔቭ ዝካየድ ዘሎ መበል 29 ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተወደበ ዓውደ ዘተ ትማሊ 25 ሰነ’ውን ንካልኣይ መዓልቲ ቀጺሉ ውዒሉ።

ኣብቲ ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተወደበ ናይ ትማሊ ዘተ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብዙሕ ግፍዕታት ዝወረዶም ኤርትራውያን ምስክርነቶም ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣስምዒም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ወለዶምን ስድራቤታቶም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤት ምእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ቤተ ሰብ’ውን፣ ብዛዕባ ስድራቤታቶም ዝኾነ ደሃይ ከምዘይብሎምን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ኣብቲ ዘተ መስኪሮም።

 

ብተወሳኺ ብኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ቢሻ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዕደና ተፈጺሙ ክኸውን ብዛዕባ ዝኽእል ምዝመዛ ጉልበትን ምስኡ ዝተሓሓዝ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ብዝምልከት’ውን ከምዝተላዕለ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ’ውን ኣብ ጉዳይ ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ዝነበሮን እባ ወርሒ መጋቢት 2015 ድማ ባኣLሸባብ ዝተቀትለን ሶማላዊ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰል ኣምባሳደር ዮሱፍ ባሪ ባሪ’ውን ዝኽሪ ተኻይድሉ።

ኣብቲ ዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፍዎ ዘተ፣ ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን’ውን ክሳተፉ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፣ ካብ ደገፍቲ መንስግቲ ኤርትራ ብሰንኪ ዝበጽሖም ዘሎ ምፍርራሓት ግና ክሳተፉ ከምዘይካኣሉ’ዩ ተሓቢሩ።

ብጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝተቖጥዑ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ብፍላይ ድማ ንሸይላ ኪታሩት ክሳብ ዓሪፋትሉ ናብ ዝነበረት ሆቴል እናኸዱ ከምዘፈራርሑዋ ተገሊጹ’ዩ።

ብሰንኩ ድማ፣ ድሕነት ኣባላት መርማሪት ኮሚሽን ንምሕላው፣ ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ምውፋር ከምዘድለየ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

እታ ኮሚሽን ነዚ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርበላ ዘሎ ምፍርራሓት ምጽራይ ክትገብርሉ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።
====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0