ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 26 June 2015

demoeth

ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሎሚ 26 ሰነ 2015 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን ኣብ፣ ቀጽሪ ኤምባሲ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ብምትእኽኻብ፣ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዘረድእን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዘቕረበቶ ጸብጻብ ዝድግፍን ደብዳቤ’ውን ንወኪልቲ’ቲ ሕብረት ኣብ ኣዲስ ኣረኪቦም።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከተጻሪ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ዘካየደቶ ናይ ሓደ ዓመት መጽናዕቲ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ስልጣን እቲ መንግስቲ ድማ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክሕተቱ ከምዝኽእሉን ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪባ’ያ።

 

በቲ ጸብጻብ ዝተቖጥዑ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር እታ ኮሚሽን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ እንከለዉ፣ ኣብ እስራኤል፣ ኢትዮጵያን ሃገራት ኤውሮጳን ዝርከቡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ነታ ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊታት ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0