ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ካብ ሓደጋ ባሕሪ ድሒኖም

resc1ልዕሊ 6,500 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበዝሑ ካብኣቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠሞም ሓደጋ ድሒኖም።

እዚ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሓንሳብ ካብ ዝደሓኑ ሰባት ዝበዝሐ ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ ቁጽሪ፣ ኣዴታትን ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ጥራይ ዘይኮኑ ካብ ዝውለዱ ሓሙሽተ መዓልታት ዘቑጸሩ ህጻናት’ውን ከምዝርከብዎም ተገሊጹ።

 

እዞም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ 6,500 ስደተኛታት፣ ካብ ዕስራ ኣብ ዝበዝሓ ብቕዓት ዘይብለን ነኣሽቱ ጀላቡ ተጻዒኖም ካብ ሊብያ ኣብ ዝተበገሱሉ 20 ኪሎሜተር ድሕሪ ምኻዶም’ዩ እቲ ሓደጋ ከጋጥሞም ጀሚሩ።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ህይወት ኣድሕን ሕብረት ኤውሮጳ፣ ከምኡ’ውን ሓካይም ብዘይዶብ ዝርከቦም ዘይመንግስታውያን ትካላት ረዲኤት ኣብቲ ናይ ምድሓን መስርሕ ከምዝተሳተፉ፣ ካብ ኢጣልያ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 271, 218 ሰባት ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ክድሕኑ ዘይከኣሉ 3,167 ሰባት ከኣ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።resc2

ንብዝሒ ኤርትራውያን ኣመልኪ ኣባል ሓካይም ብዘይዶብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለመጠይቕ፣ ብኲናት ካብ ዝዓነዋ ሃገራት ብዝሒ ስደተኛታት ክትርኢ ዝገርም ኣይኮነን፣ ኣብ ኤርትራ ግና ኲናት ዘየለ ክነሱ ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ መንግስቲ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ስደተኛ ክትርኢ ንቡር ኣይኮነን ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ቦኺሩ ዘሎ ስርዓተ ምሕደራን፣ መንግስቲ ኤርትራ ሒዙዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓን፣ ዓቕሚ መንእሰይ ተጸንቂቑ ክበሃል ጸኒሑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ዓበይቲ፣ ንኣሽቱ፣ ሓደስቲ ሓራሳት ምስ ዕሸላተን ከይተረፋ ነዚ ናይ ሞት ህይወት ጉዕዞ ይኸዱዎ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰምበት እውን ልዕሊ 1,100 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ሓደጋ ሞት ድሒኖም እዮም። ኣብዚ ናይ ሰኑይ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ንስክላ ህይወቱ ዝተረፈት ወዲ 5 መዓልቲ ህጻን፣ ህጹጽ ረዲኤት ንኽግበረሉ ብሄሊኮፕተር ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ።

resc3ድሕሪ ምውዳቕ ሞዓመር ኣልቐዛፊ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሊብያ፣ ቀንዲ ማእከል ምስግጋር ስደተኛታት ኮይና ትርከብ። ብፍላይ ኤርትራውያን ግዳያት ኣሰጋገርትን ጥሩፋት ኣሸበርትን ክኾኑ ጸኒሖም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0