ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ወለዲ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተመሃሮ ደቆም ናብ ገዝኦም ክምለሱ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

Radio Erena: 25 July 2021

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ወለዲ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተመሃሮ ደቆም ናብ ገዝኦም ክምለሱ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።
ኣብቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ቁጠባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዓርቢ 23 ሓምለ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ካልኦትን ዝርከቡ ተመሃሮ ኣጋጢሙዎም ካብ ዘሎ ኩነታትን ንህይወቶም ውሕስነት ካብ ዘይብሉን ቦታን ክወጹ ጻውዒት ቀሪቡ።
ቤት ጽሕፈት ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ መካየዲ ባጀት ስለዘይሰደደሉን፣ ናይ ባንክ ሕሳባቱ’ውን ስለዘደስከሎ፣ ንቀለብ ተመሃሮ ዝኸውን ገንዘብ ከምዘይብሉ ዝገልጽ ምልክታ ከምዘውጸአ ይግለጽ።
ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፣ ቴለፎን ይኹን ካልእ መራኸቢ መንገድታት ኩሉ ስለዝተዓጽወ፣ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ንትምህርቲ ናብ ትግራይ ዝኸዱ ተመሃሮ፣ ደሃዮም ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ’ዮም ወለዲ ጥርዓናቶም ዘቕርቡ ዘለዉ።
ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምለት ካብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ብወለዲ ንዝገብረ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ሓቢሩ።
ከምኡ’ውን ወለዲ ተመሃሮ፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ፕረዚደንት፣ ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ከቕርብዎ ንዝጸንሑ ጻውዒት ዝኾነ ምላሽ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ብምረት ይገልጹ።
ብዕለት 18 ሓምለ፣ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ተመሃሮ ብመንገዲ ክልል ዓፋር ሰጊሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ፈተነ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ክዕወት ስለዘይተኻእለ፣ እቶም ተመሃሮ ናብ ትግራይ ከምዝምለሱ እዩ ተገይሩ።
ካብ ዝተፈላለ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተኣከቡ፣ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርስታት ትግራይ ትምህርቶም ክከታተሉ ዝጸንሑ፣ ብውሑዱ 15 ሽሕ ተመሃሮ ከምዘለዉ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0