ብኣምነስቲ ዝቐረበ ክሲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ደ.ሱዳን፣ ብኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር ተነጺጉ

ብኣምነስቲ ዝቐረበ ክሲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ደ.ሱዳን፣ ብኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር ተነጺጉ

s_sudan military Radio Erena: 30 July 2017

  ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዓመጽ ይፍጽም ኣሎ ተባሂሉ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ክሲ፣ ሰበስልጣን ሰራዊት’ታ ሃገር ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቦምሉ።

     ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝዘርገሖ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቀንስትዮ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ብኣባላት ሰራዊት ጾታዊ ዓመጽ ወሪዱወን ኣብ ስነኣእሙሮኣዊ ቅልውላው ከምዘለዋ ምግላጹ ይዝከር።

 

      እቲ መጽናዕቲ ምስ 168 ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቀንስትዮ ዝተገብረ ቃለመጠይቕ ምርኩስ ብምግባር ከምዝወጸን ዓሰርተ ደቡብ ሱዳናውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተሳተፍኦን ይፍለጥ።

       እንተኾነ ወሃብ ቃል ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ሉል ሩዋል ኮዋንግ፣ እቲ ብኣምነስቲ ዝቐረበ ክሲ መሰረት ዘይብሉ፣ ንስም ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ንምቁሻሽ ዝወጸ ጸለመ’ዩ ክብል ነጺጉዎ።

       ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣምነስቲ ጭቡጥ መርትዖ እንተለዎ፣ ነተን ዓመጽ ዝወረደን ደቀንስትዮ ከቕርበን፣ መንግስቲ ሃገሩ ከኣ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ግቡእ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ገሊጹ።

       ኣቐድም ኣቢሉ፣ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዓሌታዊ ጽልኢ ዝተመርኮሰ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣካዪዱ ዝብል ዝተፈላለየ ክስታት ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0