ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ንኣታዊታት ሓተትቲ ዑቕባ ብዝምልከት ተጋቢኡ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ንኣታዊታት ሓተትቲ ዑቕባ ብዝምልከት ተጋቢኡ

Radio Erena: 28 July 2017

israel court       ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣብ ጉዳይ’ቲ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ሓተቲ ዑቕባ 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታቶም ብግዴታ ተቖሪጹ ኣብ ባንክ ክተሓዝ ዝብል ሕጊ ብዝምልከት ብሮቡዕ 26 ሓምለ ተጋቢኡ ከምዝወዓለ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

       እቲ ብሰለስተ ደያኑ ተመሪሑ ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ ንምስክርነት ጠበቓታት ሓተቲ ዑቕባን ኣኽባር ሕጊ መንግስቲ እስራኤልን ድሕሪ ምስማዕ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ብምግላጽ’ዩ ውዕሉኡ ዛዚሙ።

 

         ኣብቲ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ንኤርትራውያን ዘስርሑ ኣስታት 700 ዝኾኑ ወነንቲ ኣብያተ መግቢ፣ 11 ወከልቲ ማሕበራት ደቂንስትዮ እስራኤልን ዝተረኽብሉ መጋብኣያ፣ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ኣብ ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ ዘተኮረ ሕጊ ንኸይስርዞ ዘቕርቦ ዘሎ ጥርዓን፣ ብቑዕ ምኽንያት ኣብ 45 መዓልታት ከፍልጥ’ውን ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

          ጠበቃ ሓተቲ ዑቕባ ኣናት ቦንደር ንምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ እዚ ናይ ሎሚ ውዕሎ መጋብኣያ ብብዙሕ መለክዒታቱ ጽቡቅ ከምዝንበረ ብምጥቃስ፣ ጠበቓታት መንግስቲ እስራኤል ምኽንያት ክስእንሉ ዝኸኣሉ ጉዳይ ምንባሩ ኣብሪሃ።

         ንሳ ብተወሳኺ፣ እዚ ናይ መንግስቲ እስራኤል ውሳኔ ኣብ ሓደ ለይቲ እኳ እንተዘይትኣለየ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ምዃኑ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ።

          መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ 20 ሚኣታዊት ካብ ኣታዊታቶም ብግዴታ ተቖሪጹ ኣብ ባንክ ክተሓዝን፣ ካብ እስራኤል ክወጹ ቅሩባት ምስ ዝኾኑ ጥራይ ድማ ከምዝወሃቦን’ዩ ዘነጽር።

          እዚ መንግስቲ እስራኤል ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ፣ መሰል ሓተቲ ዑቕባን ሰራሕተኛታትን ዝጥሕስ’ዩ ብምባል’ዮም ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኣንጻሩ ክሲ መስሪቶም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝከራኸሩ ዘለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0