ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዘሎ ፍልልይ እንዳሰፈሐ ይመጽእ

Radio Erena: 24 October 2021

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን ሲቪላዊ ምምሕዳር’ቲ መንግስቲ ንዝወሰዶ መርገጺ ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካዪደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዘሎ ፍልልይ እንዳሰፈሐ ይመጽእ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እዚ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ይሳተፎ እኳ እንተሎ፣ ኣብ መንጎ ሚኒስተራት ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ብምስፍሑ፣ ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ለውጢ ብዙሕ ከምዘይከውን እዩ ትንታነታት ዝወሃቦ ዘሎ።
ብዕለት 21 ጥቅምቲ፣ ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ፈሪሱ፣ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ክትካእ ዝጠልቡ፣ ብዕልዋ ምስ ዝተኣልየ ኣልበሽር ዝደናገጹ ሓይልታት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም እዮም። እዚ ብዓርቢ 22 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ከኣ ንዕኡ ንምቅዋም ዝዓለመ ምዃኑ ወደብቲ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ይገልጹ።
ሚኒስተራት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ገለ ኣብቲ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ካልኦት ከኣ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክቕጽል ኣብ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ፣ እዚ ኣብ ሰበስልጣን ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ከምዘሻቐሎ ብምጥቃስ፣ ኩሎም ወገናት ኣብቲ ናይ 2019 ስምምዕ ሰላም ክጸንዑ ጸዊዑ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፈልትማን ብ21 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሲቪላዊን ወተሃደራዊን ወገናት መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ፈቲሖም ኣብ መሰረታዊ ስምምዕ ምስግጋር ስልጣን ክጸንዑ ጸዊዑ።
ንሱ ብተወሳኺ እቶም ካብ ዝኾነ ይኹን ወገን’ቶም ሰበስልጣን ንዘይምርግጋእ ሱዳን ዝትንክፍ ስጉምቲ እንተወሲዶም ወይ ኣጎሃሂሮም፣ ኣመሪካ ዝኣተወቶ መብጽዓ ኩሉ ደው ከም እተብሎ ኣጠንቂቑ።
ኣመሪካ ንሱዳን እትህቦ ፋይናንስያዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ደገፍ፣ ንምዕባለ ሱዳን ኣበርክቶ ንምግባር ደኣምበር ኣብታ ሃገር ንዝፍጠር ቁርቁስ ስልጣን ከበርክት ከምዘይኮነ ፈልትማን ብተወሳኺ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0