ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል፣ ሩስያ ጸዊዓ

Radio Erena: 24 October 2021

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከኣ ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ፣ ሩስያ ጸዊዓ።
ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት ኩሎም ቅጽበታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ክወስዱ ጻውዒት ኣቕሪባ።
ሩስያ ኣብዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝጸንሓ መርገጺ ዝቐየረትሉ ምኽንኒያት እታ ወሃቢት ቃል ኣየነጸረትን።
ከምዝፍለጥ ሩስያን ቻይናን፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ ዝምልከት ክብላ ባይቶ ጸጥታን ካልኦት ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንዝወስዱዎ ውሳኔ ክቃወማ እየን ጸኒሐን።
ሩስያ፣ ነቲ ብኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ዝተመርሐ ተበግሶ ሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃ ክታተሎ ከምዘላ ብምግላጽ ማሪያ ዛካሮቫ፣ ‘ፍታሕ ኣፍሪቃዊ ጸገም፣ ብኣፍሪቃውያን’ ዝብል መምርሒ ብተግባር ክረአ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።
ብኻልእ ወገን፣ ናብ ከተማ መቐለ እተምርሕ ዝነበረት ነፋሪት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዕረፊኣ ከይበጸሐት ናብ ዝተበገሰትሉ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተመልሰት፣ እቲ ውድብ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ንሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ንብጻሕ ካብ ኣዲስ ኣበባ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተበገሰት እታ ነፋሪት፣ ብሰኪ’ቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ጀሚሩዎ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ኣብ ኣየር እንከላ ክትምለስ ከምዝተገደደት ተገሊጹ።
ወኪል’ቲ ውድብ ማርቲን ግሪፊዝ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምንቃሎም፣ ዝርዝር ስም ኣባላትን ዝብገሱሉ ሰዓትን ዕላማን ሓቢሮም ክነሶም፣ ብዛዕባ’ቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘይተሓበሮም ኣመልኪቱ።
ኣብ ትግራይ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝተዋፈሩ ኣካላት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ሓበሬታ፣ በቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ገለ ክፋል ዩኒቨርሲቲ መቐለ ከምዝተሃርመ ገሊጾም።
ድሕሪ’ቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሉ ንሰብኣዊ ረዲኤት ዝግበር በረራታት ነፈርቲ ደው ኣቢሉዎ ኣሎ። እቲ ውድብ ብተወሳኺ፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ድሕነቶም ክረጋገጽ እንተዘይክኢሉ፣ እቲ መደብ ከመይ ክቕጽል እዩ ንዝብል ሕቶ ገና ምላሽ ኣተረኽበሉን ኢሉ።
ደብዳብ ነፈርቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ከተማ መቐለ፣ ተወሳኺ ህዝቢ የመዛብልን፣ ህይወት ንጹሃን ይወስድን ምህላዉ፣ ካብቲ ዞባ ዝመሓላለፍ ዘሎ ጥርዓናት ህዝቢ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0