ብንውሓቱ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ዝተሰርዐ፣ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ናይ ቴሌኮም ገመድ ናብ ጂቡቲ በጺሑ

Radio Erena: 20 May 2022

45 ሽሕ ኪሎሜተር ዝተዘርግሐ፣ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ናይ ቴሌኮም ገመድ ወይ ኬብል፣ ናብ ገማግም ጂቡቲ በጺሑ።

በዓልመዚ ቴሌኮም ጂቡቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ዓለም ብንውሓቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐ፣ ሜታ 2ኣፍሪካ ( Meta’s 2Africa ) ዝተሰምየ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገመድ፣ ብ13 ግንቦት ናብ ጂቡቲ ከምዝኣተወ ኣረጋጊጹ።

እቲ ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገመድ፣ ንሰለስተ ክፍላተ ዓለም፣ ማለት ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳን ኤስያን ዘራኽብ ኮይኑ፣ ኣብ 33ሃገራት፣ 46 መከፋፈሊ ማእከላት ክህልዎ’ዩ።

ሓደ ካብዚ ማእከላት ኣብ ጂቡቲ’ዩ ዝርከብ።

ጂቡቲ፣ ነዚ ኣብ ኣህጉራዊ ኣገልግሎታት ቴሌኮም፣ ምስግጋር ዳታን ሓበሬታን፣ ከምኡ ድማ ስሉጥ ናይ ኢ-ኮመርስ ንግዲ ዓቢ ኣበርክቶ ዝህልዎ ፕሮጅከት ዝውዕል፣ ልዕሊ 250 ትርቢዕት ሜትሪ ናይ መከፋፈሊ ማእከል ትሃንጽ ኣላ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ 2023/24 ናብ ንጡፍ ስራሕ ክሰጋገር ትጽቢት ኣሎ።

ጂቡቲ፣ ኣቐዲማ’ውን ንተመሳሳሊ መዓልታት ዘገልግል ናይ ትሕቲ ባሕሪ ገመድ ወይ ኬብል፣ ከም መከፋፈሊ ማእክል ተገልግል ከምዘላ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0