ሓይልታት ትግራይ፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ምሩዃት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕረት ክፍንዉ ምዃኖም ገሊጾም

Radio Erena: 20 May 2022

ሓይልታት ትግራይ፣ ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ዝተውልዐ ኵናት ካብ ዝሓዝዎም ምሩዅት፣ ነቶም ልዕሊ 4 ሽሕ ብምሕረት ክፈትሑ ምውሳኖም ገሊጾም።

እቶም ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ናብ ዓዶምን ናብ ስድርኦምን ብምሕረት ዝፋነዉ ምሩዃት፣ መብዛሕቶም ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተኻወደ ዓውደ ውግኣት ዝተማረኹን፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ድማ ገበናት ከምዘይፈጸሙ ዝተረጋገጸሎምን ‘ዮም ክብላ ማዕከን ዜና ትግራይ ብ19 ግንቦት ሓቢረን።

ብዙሓት ካብቶም ምሩዃት’ውን መውጋእቲ ዘጋጠሞም፣ ዝወለዳ ኣዴታትን ካልእይ ናይ ጥዕናን ጸገማትን ዘለዎም ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ልዕሊ 11 ሽሕ ወትሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተማረኹ’ዩ ዝግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0