ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ከተማ ባኒቱ ናይ ደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ከምዝወደቐት ይግለጽ ኣሎ

ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ከተማ ባኒቱ ናይ ደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ከምዝወደቐት ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 31 October, 2014

Ben

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳግም ተጓሃሂሩ ኣብ ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ነዳዲ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ በኒቱ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ከምዝወደቐት ይግለጸ ኣሎ።

እንተኾነ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብታ ከተማ ግጭት ይካየድ ከምዘሎ እኳ እንተዘይከሓደ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘላ’ዩ ሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ ከቢድ ግጭት ይቕጽል ከምዘሎ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከኣ፣ መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸሩዋ ከምዘይክኣሉ’ዮም ዝጠቕሱ።..

 

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0