ብቕትለት ዝተኸሱ ደ/ሱዳናውያን ገበነኛታት እዮም፣ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ

ብቕትለት ዝተኸሱ ደ/ሱዳናውያን ገበነኛታት እዮም፣ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ

ref campላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ብቕትለት ሰብ ተኸሲሶም ዝጸንሑ 23 ደቡብ ሱዳናውያን ገበነኛታት ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቶም ብስደት ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋምቤላ ተዓቚቦም ዝነበሩ 23 ደቡብ ሱዳናውያን፣ ንዓሰርተ ኢትዮጵያውያን ብምቕታሎም እዮም ተኸሲሶም ጸኒሖም።

 

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሰኑይ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ደቀንስዮ ዝርከብኦም 10 ኢትዮጵያውያን ብባዴላን ኣባትርን ጨፍጪፎም ከምዝቐተልዎም’ዩ ዝገልጽ። እቶም ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም ዘለዉ ደቡብ ሱዳናውያን ነዚ ዝፈጸሙ፣ ከም ግብረ ምላሽ ብሓደጋ ማኪና ናይ ዝተቐትሉ ክልተ ደቡብ ሱዳናውያን ህጻናት ምዃኑ ኣብቲ ግዜ’ቲ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፣ ካብ ዓሌት ሙርለ ዝኾኑ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳናውያን ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ልዕሊ 100 ሰባት ክቐትሉ እንከለዉ፣ 100 ህጻናት’ውን ጨውዮም ኔሮም። ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስርሒት እቶም ህጻናት ናብ ዓዶም ምምላሶም ይዝከር።

ኣብቲ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ከምዘካይዱ ጸብጻባት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0