ብቕትለት ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዝተኸሰሰ ኣፈኛ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረሺኑ

ብቕትለት ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዝተኸሰሰ ኣፈኛ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረሺኑ

Radio Erena: 12 April 2016

Fire

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ብቕትለት ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ዝተኸሰሰ ኣፈኛ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ረሺኑ።

ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ክድለ ዝጸንሐ ሓሰን ሓኒፍ ሓጂ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምትሓዙ’ዩ መንግስቲ ኬንያ ናብ ሶማል ኣረኪብዎ።

ጋዜጠኛታት ብምቕታል፣ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ሰብ ሜድያ ሶማል ዓቢ ራዕዲ ክፈጥር ዝጸንሐ ሓሰን ሓኒፍ ሓጂ፣ ትማሊ ሰኑይ 11 ሚያዝያ ኣብ ማእከል ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ኣካዳሚ ኣብ ዝተረሸነሉ፣ ሓያሎ ጋዜጠኛታት ተረኺቦም ኔሮም።

 

ኣፈኛን ሓላፊ ሜድያን ኣልሸባብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ሓሰን ሓኒፍ ሓጂ፣ ጋዜጠኛታት እታ ሃገር ንዕላማታት ኣልሸባብ እንተዘይኮይኑ ናይ ካልእ ሓሳባት ከየንጸባርቑ ዘፈራርሕ ኔሩ።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሶማል 18 ጋዜጠኛታት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ዝበዝሑ ካብኣቶም ብኣልሸባብ ዝተቐንጸሉ’ዮም።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0