ብቁጠባ ተዳኺማ ዘላ ዚምባብዌ፣ እንስሳ ዘገዳም ናብ ቻይና ክትሸይጥ’ያ

ብቁጠባ ተዳኺማ ዘላ ዚምባብዌ፣ እንስሳ ዘገዳም ናብ ቻይና ክትሸይጥ’ያ

Radio Erena: 06 January 2016

Elep zim

ብቁጠባዊ ቅልውላው ባይታ ዘቢጣ እትርከብ ዚምባብዌ፣ እንስሳ ዘገዳም ናብ ቻይና ክትሸይጥ’ያ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ኣከባቢ ኦፓ ሙቺንጉሪ፣ ሓራምዝ ዝርከብዎም እንስሳ ዘገዳን ናብ ቻይና ምሻጥ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝህልዎ ቁጠባዊ ረብሓ፣ ነቶም ሓራማዝ ብጥሜት ካብ ሙማት’ውን ከድሕኖም’ዩ ክብል ብመንግስቲ ንእትውነን ጋዜጣ ዘ ሄራልድ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እታ ሃገር ብሰንኪ ምልኪን ዝሩግ ምሕደራን ንዘሎ ጸጋ ብግብኡ ክጥቐም ኣብ ርእሲ ዘይምኽኣሉ፣ ብገንዘብ ክትመን ዘይግብኦ ከም እንስሳ ዘገዳም ዝኣመሰለ ናይ ወለዶታት ሃብቲ ሃገር ናብ ቻይና ንምሻጥ ምውሳኑ ብዜጋታቱን ካልኦትን ይንቀፍ ኣሎ።

 

ሓደ እዋን ሞሶብ ኣፍሪቃ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ ናይ 35 ዓመት ምሕደራ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም’ያ።

ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ 2009 ኣትሒዛ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ክትጥቀም ዘይክኣለት ዚምባብዌ፣ ምስ ቻይና ሓያሎ ስምምዓት ድሕሪ ምኽታማ፣ ባጤራ ቻይና-ዩዋን ክትጥቐም ከምእትኽእል ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጻ’ውን ይዝከር።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0