ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ የካይድ

Radio Erena: 21 April 2019

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ትማሊ 20 ሚያዝያ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፣ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኮይኑ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መቆጻጸሪ እዚ ምንባሩ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ የመን ዘካዪዶኦ ዘለዋ ናይ ኣጽዋር ደብዳብ፣ ካብ ፈረንሳ ዝተገዝአ ሙዃኑ፣ ልሒኹ ዝወጸ ሓድሽ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ነዚ ፈረንሳ ሸይጣቶ ዝበሃል ዘሎ ኣጽዋር ምላሽ ክትህበሉ፣ እንተዘይኮይኑ ናይቲ ኣብ የመን ዝቕዘፍ ዘሎ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ብቐጥታ ተሓታቲት ካብ ሙዃን ከምዘይተምልጥ ይገልጹ ኣለዉ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ ብተደጋጋሚ ክህቡዎ ዝጸንሑ ምላሽ ኣዕጋቢ ከይኮነ እዩ ጸኒሑ። እዚ ሓድሽ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን ብምስጢር ዝወጸ ሰነዳት ከምዘመልክቶ ግና ስራሓት ፈረንሳ ዝኾና ታንክታትን ነፈርትን ኣብ የመን ተዋፊረን ከምዘለዋ እዩ ዘመልክት።

ኣብ መንጎ ኲናት ተቐርቂሩ ዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ የመን፣ ተደጋጋሚ ተላባዒ ሕማማት እውን የጥቅዖ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንሳልሳይ ግዚኡ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ሸሮኽ፣ ብፍላይ ኣብ ህጻናት ከቢድ መቕዘፍቲ የውርድ ከምዘሎ ጸብጻባት ዜና ካብታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0